Establishing a Global
Independent Tigreans’ Media

The Organization of Tigreans Network for Advancing Actions (OTNAA) is an internationally registered non governmental, non political, non religious and non profit making civic society organization, working throughout the entire globe putting the interest of Tigray society at it's center of action. It puts into an equitable practice and concern to all Tigreans in an inclusive manner regardless of any political, religion, gender, qualification. The Vision of OTNAA is ending extreme structural inequality, poverty and promoting the development of resilient, democratic societies that are able to realize their potential which reflect the aspirations of all Tigrean Communities grounded in a commitment of shared responsibility and accountability to all of us in the planet.
OTNAA strongly believes Tigrean communities success, as a whole requires more than just the participation of governments or single political party. Businesses, civil society organizations, academic institutions and citizens themselves must all play essential roles. There must be investment in education, technology, health care and inclusive economic growth in the Tigray region and beyond. This is why OTNAA sets the following missions to be accomplished by contributing its sustainable role in achieving the following main objectives of the Network and beyond both locally in the region of Tigray, Ethiopia, Africa as a continent and globally in the entire Earth and other space.

ጋሩ እንታይ ኽንገብር አለና?
ብመጀመርታ ሰላምን ፍቅርን ንኹሉ ትግራዋይ ይኹነለይ !
ብምቕፃል ብወገነይ ከምተጋሩ እንታይ ኽንገብር አለና እንተይኮነስ, ከም ትግራዋይ አነኸ እንታይ እገብር አለኹ ኢልና ነንህድ ህድና ነብስና ንጠይቕ
ቐጺልና ነቲ ዝጠየቕናዮ ህቶ ቕኑዕ ፣ዝኾነ self confess ምስ ሀብና ስህተታት ዝፍጠር ዘሎ ካባይ ጀሚሩ ብዝፍጠር ክፍተት፣ አነ ኾንኩ ህዝበይ፣ ናብዚ እዋናዊ ኩነታት ምብፃህና አነም ብቐጥታ ይኹን ብተዛዋዋሪ እጃመይ አለዎ ዝብል ብህታዊ እምነት ክፈጥርኽንፈጥር ይግባእ)!
     ብወገነይ ከም አባል ሀደ /ሰብ ቅኑዕ ይኹን ጎባጥ አስተዋጽኦ ኽገብር እኽእል እየ ጥራህ እንተይኮነስ ፣ማ/ሰብ ናይ ውልቀ ሰባት ምትእኽኻብን ሃበራዊ ናብራ ውፅኢት እውን እዩ
 ብወገነይ እዚ ዝመስል ብህታዊ ዘተ ምስ ነብሰይ ገይረ ጌርናዕልባት ምስ ሀብናዮ ድኽመታትና ወለል ኢሉ ስለዝርአየና ብቕኧት ደረጃ ትምህርትና,ናይ ምርዳእን ናይ ምግንዛብን ዓቕምና ብዝፈቕዶ መንገዲ እቲ አብ ተጋሩ ዝንሄ ስነልቦናዊ , ፖለቲካዊ ,ማህበራውን, ብህታዊ ፀገማት ታሪካዊ አፈጣጥርኦምን ብቐሊሉ ክንርድኦን፣ ተረዲእና ድማ ከም ተጋሩንትግራዋይንናይ መፍትሂ አካልንአካላትንክንከውን ንኽእል ኢና ኢለ ይአምን
    ብወገነይ ፣ሰባት እዙይ ጌሮምኒ እዙይ በዲሎምኒ እወ ንሱ ዳአ/ ንሳ ዳአ ፣አበይዳንኡ/አበይንዳናአ እናተባሃለ ብስምኢትን ብሆያ ሆየን ዝመርሆ ዝነበርኩ ናብራ ኽዝክሮ እንተለኩ ክንደይናይ እቲ ዘእበየኒ ፊውዳላዊ ስርኧት ህሊናይ ቐይዱ ሂዙኒ ከምዝነበረ ዋላዃ እንተተረዳእኹዎ   ድሁር አተሃሳስባን ፣ግትር ዝበለ አነ ጥራህ እፈልጥ ዝብል ቅዋም ግን ብቐሊሉ ዝሀስስ ኮይኑ አይረኸብክዎን
ንፀገመይ አፍልጦ Awareness')ብምሃብ ምስ ደቐይ ለይትን ቀትርን እናተጋራጨና ንዚ ህዚ ሂዘዮ ዝንሄኹ ስብእና በፂሄ !
    ቅድም ቀዳድምአብ ባዕልኻ ክበጽህ ዘይትደልዮ ግፍእን በደልን አብ ካልኦት አይትፈጽም
   ቐጺሉ እንተኺእልካ ንኻልኦት ሀግዝ እንተዘይ ክኢልካ ናይ ካልኦት ብዘይ ምውሳድን, ብዘይ ምምናይን፣ ናይ ሰላም ሂወት ንበር ንንበር)!
ተጋሩ አብዚ ህዚ እዋን ሽግራት, ዘይምርግጋእ, ዘይ ምድምማጽ,ዘይምክብባርን ዝመሳሰሉ ክፍተታት ይርአየና አሉ እወ ትኽክል
ንምንታይ እንታይ ረኺቡና ንዝብል ህቶ ድማ ዝተፈላለየ መልሲ ይውሀብ እሰምእ ገሊኡ መልሲ ናብ ውልቀ ሰባት ገሊኡ መልሲ ናብ ድርጅት ገሊኡ መልሲ ናብ መንግስቲ ገሊኡ መልሲ ናብ ብአዴን ገሊኡ መልሲ ናብ ሻእብያ ፣ገሊኡ መልሲ ናብ ግንቦት 7 ገሊኡ መልሲ ናይ ወጻእ ሀይልታት የህፍር
አምሃሩ ክትርቱ የአባየን እከክ ለእማየ ልክክ ይብሉእቲ ሀቂ Either we like it or not, we are the problem ! me & you are the problem of our problem ! ናይ ሽግረይ መንስዔ, አነ ባዕለይ እየ ብአንፃሩ ድማ ናይ ሽግረይ መፍትሂ ድማ አነ እየ ፒርየድ !!!!!
     ሙሁራት ትግራይን, ፖለቲከኛታት ትግራይን ታሪክ ህዝቢ ትግራይ ካብ መሰረቱ ብፍላይ ንዝሀለፉ 27 ዓመታት ክንዲ እቲ ክኽየዶን ክስርሆን ዝግቦኦ ስለዘይተሰርሀ 27ዓመት ዝዘራእናዮ ንኧጽድ አለና እዙይ እዪ ጸገምና ተጋሩ ከምተጋሩ ናብ ካልኦት  ዓፃብኧቲ ካብ ምውጥዋጥ ፍልፍል መሰረት ጸገምና ባእልትና ኢና ኢልና ምስ አመና እሞ ዳአኸ ዝብል ኧርሰ ነቐፌታ individually & collectively ምትእምማን ምፍጣር የድሊ
   አብዚ ዝንሄናሉ መበል 21/ዘመን፣ ፓለቲካውን ማህበራውን አመራርሃ፣ ካብ ኢድ ውልቀ ሰባትን, ፖለቲካዊ ፓርቲ፣ ጸቕጥን እናወጸ  ናብ ስነ ሃሳብን, ሳይንስን እናተቐየረ አብዝመጽአሉ እዋን ወዲ ሰብ ግሎባላይዜሽን ዓለም ለኻውነትአብዝዝምረሉ እዋን ንህና ግን ብአውራጃን,ብኧሌትን ፣ብፓለቲካዊ አፋላላይ ንቃተል ንውኧል ማህበረ ሰባት ኢና እዙይ እዩ ስልጣኔታትና እዚአ እያ እታ ሀቂ ከመይ ንተአረም ከመይ ጌርና ከም ተጋሩ ብት ዝፈላልየና ፣ተፈላሊና,ብቲ ዘሳማመኧና ሀቢርና ክንሰርህ ንኽእል እዙይ ድማ እዩ ከም ወለድና እኒ ስሁል ሚኬዔል,ሃጸይ ዮውሃንስ,ራስ አሉላን, / መለስን፣ አየ ተጋሩ ዘብለና እምበር ዝነበረ እና ደለዝካ, ሀዱሽ ጀግንነትን ማንነትን ክትፈጥር ላህ ምባል ፣ዝሃለፈ ታሪካ ንኻልኦት ምህዳግ እንትኸውን ባእልኻ ዘናአስካዮ ታሪካን ማንነትካን ካልኦት ፣በት ናይ ባዕልኻ ድኽመት አትዮም ከናእሱኻ እንትጅምሩ አኻኪ ዘራፍ ምባል አይ ትግራዋይነትን አይናይናን አይናይወለድናን
     ታሪኽናን ፀጋታትናን ዘይኮነ መልክዕን ትህዝቶን ዝውሀቦም ዘሎ ንምንታይ ናህና ሙሁራት ተጋሩን, ፖለቲከኛታት ትግራይ፣ ቀደምስ ሀይለ ስላሴ ዓጊቱና ደርጊ ዓጊቱና ይባሃል ኔሩ ሎሚ እዙይ ድዩ ኔሩ መቃለሲ ወያናይ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ናይ 3ሺህ ኢትዮጵያ ናይ 3ሺህ ዘመን ታሪኽ አለዎ እንትባሃል እቲ መሰረቱ እናለቐቐ ናብዝ በጺህናዮ ዝንሄና ቅልው ላው ክንአትው ዝገበረና ናይ ባኧልትና ናይ ተጋሩ ድኽመት እዩ ባዕልና ተጋሩ ኢና እቲ ሀደ ብግርሂ፣ እቲ ሃደ ብጉርሂ ይብሉ ወለድናትግራይ ናይ 43 ዓመት ታሪኽ ጥራህ ከምዘለዋ ታሪክ እን ካሌብ,ዔዛና,ሲዛና ራእሲ ስሁል ሚካዔል,ሃጸይ ዮውሃንስ ,ራእሲ አሉላ እን መለስ እኒ አሞራው እኒ ሃየተይ ሃየሎም ንህና ዘይኽበርናዮምስ ካልኦት ከኽቡርልና ምጽባይ እዙይ እዪ ጸገምና
   ተጋሩ ንሃትና ገፊእና ,በዲልና ብካልኦት ንኽንፍቶ ህዝብና እንብድል እዙይ እዩ ጸገምና ብህልኽን ትዕቢትን ዝተወጠርና ገታራት ፖለቲካዊ ሚዛና ብፓለቲካዊ ጥቕሚ እንመዝን፣ እዙይ እዩ ጸገምና
ብሹምን ብመርአያን እንአምን ,ትምህርትና ፖለቲካዊ ብቕኧትና ብይቕሬታን ምርድዳእን ካብ ምእማን ብህልኽን,ቂምን ,ማእሰርትን, ተንኮልን እንአምን ምስ ግዚኡ ክንልወጥ ዘይንኽእል ግትራት ስለዝኾና ነዚ ወሪዱናን፣ በፂህናዮን ዝንሄና ብርኪ ተጠየቅቲ ንህና ባዕልና ኢና እዙይ ነንህድህድና ተጋሩ ዐሚና ክንቅበል እንትለና ጥራህ እዩ ቕኑእን ግልጽን መፍትሂ ክንረክብ እንኽእል
      ካልኦት ዝገብርዎ ይፈልጡ እዮም ብድንገት ዝኾነ ነገር የለንpolitics is a dirty game )ዝባሃል እውን ነዙይ እዩ
ተጋሩ ከም ተጋሩ, እዚ ዝባራዕ ዘሎ ሀዊ ፣ቀስ እናበለ ነናብ ገዛና ክአትው እዩ ፣ህዝቢ ከም ህዝቢ ሀድነቱን ህልውንኡን ባዕሉ ክህሉ አለዎ፣ እቲ ምንታይ ህዝቢ ነባራይ ስለዝኾነ ውልቀ ሰባት፣ ፖለቲካዊ ድርጅትን መንግስትን ግን ተላዋዋጣይ እዩ አብ ትግራይ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ውድብ፣ ብውልቀ ሰባት ዝተፈጠሩን ዝፍጠሩን ስለዝኾኑ መተአማመኒguaranty) ዝብሀል ነገር የለን የብሎምን እውን፣ እዚ ህወህት ማለት ህዝቢ ትግራይ ማለት ፣ሀሶትን ፖለቲካዊ ቁማር እውን እዩ
   ህዝቢ ከም ህዝቢ ግን ዓለም ኻብ ዝተፈጠረትሉ እዋን ጀሚሩ እንሄ ሃደ ወለዶ እንትሃልፍ ብቲ መፃአይ እናተተከኧ አባና በፂሁ እንሄ አነ,ንስኻ, ንስኺ ድማ ናይዚ ወለዶ እዙይ አካል ኮይና ንነብር አለና እሞ ዳአ እቲ ዘየቋርጽ ዝግመታዊ ከይዲ መነባብሮ ወዲ ሰብ ተፈጢርካ,ኧቢኻ ኔርካ ምሟት እንድህር ዄይኑ ናይ ተፈጢርና ከምዝነበርና ዝዝክር ሀድጊ ምግዳፍ እንተተዃኢሉ እሰየ ፣ታሪኽ ምግዳፍ   እንተዘይ ኾይኑ ግን ናብራ ካልኦት  እናሃመስካ ተፈጥሮ ዝለገሰቶም ሰላምን ፍቕርን ቕንዕና ብዘይ ምብራዝን ብዘይ ምምንዛዕን ተሃባበርቲ ኾይና ሰላምን ፍቕርን አብ ሂወትን ናብራን ወዲ ሰብ ክእምብብ ንግበር
 
የቐንየለይ
 
ሙሉጌታ በሪሁን
ካብ ካናዳ

 

Read More

We have a
strong
Mission

OTNAA/ዓለም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንአውንታዊ ተግባር/

መን እዩ !!

እዚ ጥምረት እዚ ካብ ኣብራክ  ህዝቢ ትግራይ -ኢትዮጵያ ዝወፀ ጥምረት ኮይኑ ብዓለም ደረጃ ዝንቀሳቀስ ስርዓትን ሕግን መሰረት ገይሩ ኣብ ስርሕ ዝርከብ ዘይ መንግስታዊ :-ካብ ሃይማኖት:- ካብ ፓለቲካዊ ወገንተኝነት ፍፁም ነፃ ዝኮነ  ሲቨል ማሕበረሰብ / INGO እዩ:: እዚ ጥምረት እዚ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዘዓበዩ ጉዳያት ህዝቢ ምስ ህዝቡ ኢድ ንኢድ ተጣሚሩ ሃገራውን : ክፍለዓለማውን ዓለም-ለካውን ጉዳያት መሰረት ገይሩ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ነፃ መትረፋይ ዘይኮነ ትካል እዩ:: መበገስታት እውንብኣለውዎ መሰረት ጥንታዊ ታሪኩን መንነት ታሪኩን ባህሉን ሰኒቁ ብዘመናዊ እስትራተጂ ብመሪሕነት ሓዱሽ ትውልዲ ትልሚ መንገዲ ሰላም : ዲሞክራሲ ዕብየት ሕብረተሰብ ብዝጠንከረ ጥምረት ንምስራሕ ሕጋዊነቱ ኣረጋጊፁ ዝተመስረተ ዓለም ለካዊ  ትካል ጥምረት ዓለም ለከ ተጋሩ ንኣውንታዊ ተግባር /OTNAA / ይፅዋዕ :

OTNAA: Organization of Tigreans Network for Advancing Actions  ካብ ዝምስረት ክልተዓመት ዘቁፀረ ዓለም ለክ ጥምረት ተጋሩ ኣብ ወፃእን ኣብ ውሽጢ ዓድን ብዘለው ፈተውቲ ሰላምን ዕብየትን ፈተውቲ ሓድነትን ፍቅርን ህዝብታት ብዘለዎም ተቆርቆርቲ ህዝቦም ብሃገራውን ዓለማውን ሕግታት ስርዓታት ተረዲኡ መሰረት ገይሩ ዝተመስረተ ዓለም ለካዊ ትካል እዩ:: ኩላህና ከም እንፈልጦ ጥንታዊ ታሪክ ዘለና ህዝቢ ምካና ዝፍለጥ ሓቂ እዩ::  ይኩን ደኣምበር ነፃ ህዝባዊ ዘይመንግስታዊ አህጉራዊ ኮነ ዓለም-ለካዊ Organization ግን ኣይፀንሐናን ብኡ መጠን እውን ዘዕበናዮ ልምድታት ባህሊን ኣይተመሓላለፈልናን ::

በኣንፃሩ ህዝብና  ብበዝሒ ብዝተፈላለዩ ፓለቲካዊ ፓርትታት ጋዕጋዕታ ተፃቢቡ ከም ዝመፀን ከም ዘሎን ንኩልና ግልፂ እዩ:: ሐዚ OTNAA ግን ካብዚኦም ዝተፈለየ ዝገብሮ ብዙሕ መሰረታዊ ጉዳያት ኣለዎ ::  ንሱ ውን ካብቶም ብዙሓት ሓደ ምስ ህዝቢ ዝሰርሕ ድልየት ህዝቢ ዘዳምፅ ብዘይ ሕብእ ሕብእ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብህዝቢ ብጥምረት ዝሰርሕ ዓለም ለከ ጥምረት እንትኮን:: ብተወሳኪ ብካሊእ ወገን ምስ ዝኮነ ፓለቲካዊ ፓርቲ ኮነ መንግስቲ ዘይውግን ንኩሎም ብማዕረ ዘዳምፅ ኣዳሚፁ ንረብሓ ህዝቢ ዝሰርሕ ገለልተኛ ምካኑ እዩ::

ካብኡ ትበጊሱ እውን ክልተ ኣሕዋት ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፓለቲካ አሰሊፉ ዘይፀላእቲ ፀላእቲ ዘግብር ናይ ጥፍኣት ህዝብን ሃገርን ፓለቲካ ኢና እንፈልጥ ሐዚ ግን ኣየድልንብ ሓዱሽብትውልዲ ዕርቂ ኣሕዋት እምበር ፅልኢ ኣሕዋት ኣይወርስን ይብል ኣሎ ስለዞ ሐዚ OTNAA ግን ካብዚኦም ዝተፈለየ ዝገብሮ ብዙሕ መሰረታዊ ጉዳያት ኣለዎ :: ውርሻ ፅልኢ ዕንወትን ድንቁርናን ምንጭ ጥፍኣት ሰላማዊ ህዝብን ሃገርን እዩ ኢሉ የኣምን :: መፍትሒኡ ከዓ ብፅንዓት ዝተመስረተ መንገዲ ፃውዒት ዕርቀሰላም እዩ ንመፃኢ ዝማዕበለ ትውልዲ ዋሕስ ኢሉ የኣምን ::

 ስለዚ OTNAA /ዓለም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውንታዊ ተግባር / ካብ ኣብራክ ሕብረተሰብ ትግራይ ዝወፀ ከም ምካኑ መጠን ናይ ህዝቢ ተኣዛዚ ካብ ህዝቢ ወሲዱ ንህዝቢ ዝህብ ንመፃኢ ትውልዲ ጠንኪሩ ዝሰርሕ ስለዝኮነ መሰረታዊ መቀመጥየይ ኢሉ ዘኣምን ኣብ መቀለ ትግራይ- ኢትዮጵያ እንትኮን እቲ ካልኣይ መቀመጢኡ ኣብ Geneva Switzerland እዩ:: 

 እዚ ጥምረት ክብገስ እንተሎ ብሰፉሕን ዓሚቁ ጉዳያት ኣፅኒዑ መርሚሩ ኣሰባሲቡ ንስራሕን ተግባራውነትን ክለዓል እንተሎ ዘሓዞ ዓበይቲ ዕላማታት ብንፁር አቀሚጡ ዝተበገሰ እዩ::  ነዝ ፅንዓትን ምርምርን ንምግባር ከበግሶ ዘክኣለ ነጥቢ ግን ስቅ ኢሉ ስለ ዝደለየ ኣይነበረን ግዴታ ክግበር ዝነበሮ ግን ዘይተገበረ ምካኑ ብፅንዓት ብፍልጠት ክበፅሖ ብምክኣሉ : ካብቶም ዝተፈፀሙፅንዓታት ዋላካ ብዙሓት እንተኮኑ አገደስቲ ምክንያታውያን ናይፅንዓት ውፅኢት  ሕብረተሰብ ትውልዲ እንትቃለስ : ንትውልዲ ሰላም ምዕባለ ንህልውና ማዕርነታዊ ሓድነት ሕብረት  ንዕብየት ሕብረተሰባዊ ምዕባለ ንምዕቃብን ምምዕባልን ናይ ሕብረተሰብ ባህልን እምነታትን ተባሂሉ እዩ መስዋእትነት ዝክፈል ዝነበረን ዘሎን እምበር ካሊእ ምክንያት የነበሮ የብሉን ኣይህልዎን እውን::

 OTNAA /ጥምረት/ ግን ብመሰረት ዓሚቁን ሰፋሕን ፅንዓቱ ኣብ መሬት ዘሎ ናይ ሕብረተሰብ ህልዊ ሓቅታት ብኣንፃሩ ኮይኑ ረኪብዎ ::  ንሱውን  lack of social justice / systems /ስእነት ፍትሕን ማዕርነትን/ ስእነት ምዕባለን ሰላምን :ስእነት መሰረታዊ ናይ ሕብረተሰብ ሆስፒታላት/ ስእነት ፍቅርን ማዕርነታዊ ናይ ህዝብታት ሓድነትን : ስእነት ሰላማዊ ሽግግር ስርዓታት: ስእነት ንፃ ኣካዳሚክ ትካላት /ምርምር ማእከላት: ስእነት ዝተረጋገአ ሰላም :: ህዝብታት ንማንም ፀላኢ ዘይኮኑ ብደገን ብውሽጥን ፀላእቲ ምግባዝ ፀላእን ፈታውን ብንፁር ዘይፍለጠሉ ኩነታት ምፍጣር መፍትሕን ኣላይን መማዓራረይን ኣካል ክውሕድን ክሰኣንን ምግባር ወዘተ 

ዓልም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውንታዊ ተግባር ብውሽጥን ብደገን ብምካን ኣብ ንፁር ፅንዓት በፂሑ እስትራተጂ ነዲፈ ዕላማታቱ ነፂሩ  ዘይ ኣትራፋይ : ነፃ : ዘይ ፖለቲካዊ ጥምረት ፈጢሩ :: ካብዚ መትከላት እዚ ምስ ህዝብና ምስ ዓለም ኮይና ንምፍታሕ እንሰርሐሎም ቦታታት OTNAA ብንፁር ኣውፂኡ :

 ንሱ ውን ካብቶም ብዙሓት ሓደ ምስ ህዝቢ ዝሰርሕ ድልየት ህዝቢ ዘዳምፅ ብዘይ ሕብእ ሕብእ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብህዝቢ ብጥምረት ዝሰርሕ ዓለም ለከ ጥምረት እንትኮን:: ብተወሳኪ ብካሊእ ወገን ምስ ዝኮነ ፓለቲካዊ ፓርቲ ኮነ መንግስቲ ዘይውግን ንኩሎም ብማዕረ ዘዳምፅ ኣዳሚፁ ንረብሓ ህዝቢ ዝሰርሕ ገለልተኛ ምካኑ ኣስሚሩሉ እዩ::

 OTNAA /ዓለም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውንታዊ ተግባር / ካብ ኣብራክ ሕብረተሰብ ትግራይ ዝወፀ ከም ምካኑ መጠን ናይ ህዝቢ ተኣዛዚ ካብ ህዝቢ ወሲዱ ንህዝቢ ዝህብ ንመፃኢ ትውልዲ ጠንኪሩ ዝሰርሕ ስለዝኮነ መሰረታዊ መቀመጥየይ ኢሉ ዘኣምን ኣብ መቀለ ትግራይ- ኢትዮጵያ እንትኮን እቲ ካልኣይ መቀመጢኡ ኣብ Geneva Switzerland እዩ:: እዚ ጥምረት ክብገስ እንተሎ ብሰፉሕን ዓሚቁ ጉዳያት ኣፅኒዑ መርሚሩ ኣሰባሲቡ ንስራሕን ተግባራውነትን ክለዓል እንተሎ ዘሓዞ ዓበይቲ ዕላማታት ብንፁር አቀሚጡ ዝተበገሰ እዩ::  

 ነዝ ፅንዓትን ምርምርን ንምግባር ከበግሶ ዘክኣለ ነጥቢ ግን ስቅ ኢሉ ስለ ዝደለየ ኣይነበረን ግዴታ ክግበር ዝነበሮ ግን ዘይተገበረ ምካኑ ብፅንዓት ብፍልጠት ክበፅሖ ብምክኣሉ እዩ እቲ ሓቀኛ ምክንያት :: ካብቶም ዝተፈፀሙፅንዓታት ዋላካ ብዙሓት እንተኮኑ አገደስቲ ምክንያታውያን ናይፅንዓት ውፅኢት  ሓደ ስእነት ሰላም : ፍትሕን ዲሞክራስን : ድክነትን ድንቁርናን  ውሑዳት ዝዕንድሩላ ልዕሊ ሕጊ ዝነብሩላ ሃገር ምህላውና እዩ ::

 ሕብረተሰብን  ትውልዲን  እንትቃለስ : ኣነ ሞይተ ንትውልዲ ሰላም ምዕባለ ንህልውና ማዕርነታዊ ሓድነት ሕብረት  ንዕብየት ሕብረተሰባዊ ምዕባለ ንምዕቃብን ምምዕባልን ናይ ሕብረተሰብ ባህልን እምነታትን ንምዕቃብን ተባሂሉ እዩ መስዋእትነት ዝክፈል ዝነበረን ዘሎን እምበር ካሊእ ምክንያት የነበሮ የብሉን ኣይህልዎን እውን::  OTNAA /ጥምረት/ እወ ኔሩ ኢሉ የኣምንብእሞ  : ግን ብመሰረት ዓሚቁን ሰፋሕን ዝተካየደ ፅንዓቱ ኣብ መሬት ዘሎ ናይ ሕብረተሰብ ህልዊ ሓቅታት ብኣንፃሩ ኮይኑ ረኪብዎ ::  ንሱውን  lack of social justice / systems /ስእነት ፍትሕን ማዕርነትን/ ስእነት ምዕባለን ሰላምን :ስእነት መሰረታዊ ናይ ሕብረተሰብ ሆስፒታላት/ ስእነት ፍቅርን ማዕርነታዊ ናይ ህዝብታት ሓድነትን : ስእነት ሰላማዊ ሽግግር ስርዓታት: ስእነት ንፃ ኣካዳሚክ ትካላት /ምርምር ማእከላት: ስእነት ዝተረጋገአ ሰላም :: ህዝብታት ንማንም ፀላኢ ዘይኮኑ ብደገን ብውሽጥን ፀላእቲ ምግባዝ ፀላእን ፈታውን ብንፁር ዘይፍለጠሉ ኩነታት ምፍጣር መፍትሕን  ፀገማት ኣላይን መማዓራረይን ኣካል ክውሕድን ክሰኣንን ምግባር ብወዘተ ዕፃ ህዝብና ከይኑ ተረከበ ::

 ዓልም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውንታዊ ተግባር ብውሽጥን ብደገን ብምካን ኣብ ንፁር ፅንዓት በፂሑ እስትራተጂ ነዲፈ ዕላማታቱ ነፂሩ  ዘይ ኣትራፋይ : ነፃ : ዘይ ፖለቲካዊ ጥምረት ፈጢሩ ምስ ህዝብን ዓለምን መትከላት ሓንፂፁ ክሰርሕ ወሰነ 

ካብዚ መትከላት እዚ ምስ ህዝብና ምስ ዓለም ኮይና ንምፍታሕ እንሰርሐሎም ቦታታት OTNAA ብንፁር ነደፈ ::

  1. OTNAA Central Globe Ethiopia-Africa (ናይ ዓለም ለከ ጥምረት ዋና መስራቤቱ መቀለ )
  2. OTNAA Eastern Globe /Australia and Russia
  3. OTNAA Western Globe Americas/including Canada
  4. OTNAA Middle East Globe (Arabe Countries)
  5. OTNAA Northern Globe / Europe and Far East
  6. OTNAA Coordination Office: State of Geneva Switzerland.

በዚ መሰረት ጥምረት ብመትከል ተሓንጊጥዎም ዘሎ ዕላማታት ካብቶም ብዙሓት እቶም ዝስዕቡ 5 ዓበይቲ መሰረታውያን ዕላማታት ንሰማዕትናን ንህዝብናን ከምኡ እውን ንዓለም ክነፍልጥ ከም ዝስዕብ ሕፅር ምጥን ብዝበለ ኣገላልፃ ክነቅጦም ንፈቱ::

 

1/ ምምስራት ወይ ምጥያሽ ነፃ ትግራይ ዓለም ለከ ሜድያ /Global independent Tigreans' Media/

ጥምረት ምምስራት መድያ ብፅንዓት መሰረት ክኣምን እንተሎ ኣብ ሰናይ ሓሳብ ቅንዕና ዝተመስረተ ባህሉን መንነቱን ካብ ንባዕሉ ሓሊፎም ንዓለምና እውን ዝተዋረሱ ብሓቂ ናይ ሰላም ብልፅግና መሰረት ዝኮኑ ኣሚኑ ንምዕቃብ : ንምዕባይ : ንዓለም ሕብረተሰብ እውን ከፍልጥ ዝግበኦ ጥራይ እንተይኮነስ ዘይግነታዊ ሓላፍነቱ ስለዝኮነ እውን እዩ::   ብካሊእ መንገዲ እውን ህዝቢ ናይ ዝኮነ ህዝቢ ኣካል ፍቅርን ሰላምን እምበር ዝኮነ ህዝቢ ንዝኮነ ህዝቢ ፀላኢ ኣይኮነን :: እንተኮነ ግን ኣብዛ ዘለናያ መሬት ዝገጥም ዘሎ ግን ብኣንፃሩ ይከውን ኣሎ  ስለዚ እንሪኦን እንሰምዖን ዘለና ዋላውን ብቀጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ህዝብና ኮነ ካሊእ ህዝቢ ናይቲ ፀገም ተካፋላይ ኮይኑ ንረክቦ ኣለና ::

እዚ እውን ብዝተወሰኑ ግለሰባት ጉጅለታት ሓላፍነት ብዝጎደሎ መንገዲ በኣጋጣሚ መድያ ተቆፃፂሮም ነቲ ንውክሎ ኢና ዝብልዎ ህዝቢ እውን ድልየቱን ባህሉን እምነቱ ዘየገናዘበ ፀላኢ ዘይብሉ ህዝቢ ምስ ካሊእ ከምኡ ዝበለ ደላይ ሰልም ዝኮነ ህዝቢ ንግሊ ረብሐኦም ክብሉ ከባእስዎ ንርኢ ኣለና :: ስለዚ ጥምረት ምክልካል ከም ዘድልየና የኣምን :

እዚ ማለት ግን ፀርፋ ብፀርፊ ዘይፍታሕ ምካኑ ኣሚና ሓቂ ብመሓዝ ንሓሶቶም ኣቃሊሕና እብ መሬት ብዝርከቡ ስኣን መድያ ሓቅታት ዝተሸፈኑ ናብ ህዝቢ አቅሪብና መንገዲ ሰላም: ፍቅርን ሓድነትን ጠንኪርና እንሰርሐሉ ኣህጉራውን ዓለም ኣቀፋዊ ሕብረተሰባውን ባህላውን ሕብረተሰባዊ ሕግታት ኣክቢርና ሓላፍነት ብዘለዎ ጥምረት ክንሰርሕ ብዝተማዕረየ መንገዲ ጥምረት ወሲኑ ኣብ ስራሕ ኣሎ ::

 ስለዚ ዕላማ ምምስራት ትግራይ ሜድያ : ብሓፂሩ ንምጥንካር ሰላምን ፍትሕን : ንዝፍለጡን ዘይተገለፁን ሃፍታም ታሪክ ህዝብና ከምኡ ውን ህዝብታት አፍሪቃ ከምኡውን ዓለምና ምህሃድን ምዕባይን ምጥንካርን ሕብረተሰባዊ ሓድነት :: ብኡመጠን እቶም ካብ ግሊ ድልየትን ሓላፍነት ዝጎደሎ መድያ ህዝብታት ነንባዕሎ ሓዊ ዘሳውር ዝርከብ ዘሎ ናይ ርሑቅ ኮነ ናይ ቀረባ ሜድያታት ንምክልካል ::

 ከምኡ እውን እቲ ህዝቢ ግብሪ እናከፈለ ብሽሙ ተተኪሉ ዘሎ ሜድያታት እውን ኣካል ፍታሕ እንተይኮነስ ኣካል ፀገም ህዝቢ ምካኑ ጥምረት ብንፁር አፅኒዑ ኣሚኑሎ ኣሎ :: ስለዚ ድምፂ ዝሰኣነ ህዝብና ድምፂ ንክህልዎ ካብ ናይ ፓለቲካዊ ፅዕንቶ ነፃ ንምውፃእ ዘዓለመ እዩ  ወዘተ ...

 2/ ነፃ ትምህርታዊ ትካላት ምዕባይ ክኢላ ሓይሊ ሰብካ ምህናፅ/Education and Human empowerment program/

ጥምረት ካብ ዝነኣሳ ክሳብ ዘዓበያ ዝተፈላለያ ትምህርታዊ ትካላይ ክህልዋ ወይ ውን ክትከላ ኣፅኒዑ የኣምን :: ምህላወን ጥራይ እውን እኩል ኣይኮነን ይብል ምክንያቱም qualities and quantities ኣዋሂዱ ዝከይድ ዝበቅዐ ዝሰልጠነ ትውልዲ ሓላፍነት ዝስመዖ ብቁዕ መሪሕ ባእታ ዝፈርየሉ ነፃ ወዲ ዘይጋ ቅድምያ ዝርኢ ነፃ ህዝቢ ዘመሓድረን ዋነተን ናይ ህዝቢ ዝኮና ዘመናዊ ትካላት ክህሉ ብመትከል የኣምን ::እዘን ክህልዋ ዝድለያ ዘለዋ እተን ኣብ መሬት እውን ዘለዋ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዘዓበያ ትካላት ብወዳዓዲ ዝምረሓ ዋነተን ናይ ህዝቢ ዝኮና ምካነን ብሕግን ብተግባርን ዝእመነለን ምግባር :: 

ካብ ናይ ካሊእ ዜጋታት ንዝግበሩ ምትእትታው ብበዓል ሞያታት እቶም ደቂ ዓዲ እቲ ህዝቢ ኩለመዳያዊ ፅንዓት ምርምር ተገይሩለን ብባህልን ኢኮነምያውን ፓለቲካውን ጉዳያት ተራእየን ብናይ ሓፂርን ነዊሕን ናይ ሕብረተሰብ ጉድኣትን ጥቅምን ተራእዩ ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ህዝቢ ክውስን ምግባር ::

3/ምምስራት/ምዕባይን / ነፃ ህዝባውን ሰብኣውን ትካላት/ Human Right and Assitance program /

ህዝብና ካብ ነዊሕ ዝመፀ ጠንካራ ታሪኩ ከም እንፈልጦን ዝፀንሐናን ቅድሚ ዓለም ወሃቢ ዑቅባ :ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ዝኮነ ባህልን ሕግን ስርዓትን ቆራፅነትን የዋህነትን ሓቢሩ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ናይ ንሮ ዘቤታት ሒዙ ዝመፀ ንባዕሉ ኮይኑ ንከምኡ ዝበሉ ፍጥረታት ተቀቢሉ ናይ ምንባር መሰሎም ዝኣምን ኣብ ተግባር ዘውዕል ሕብረተሰብ ምካኑ ኣብ መርየት ዝርከብ ሓቀኛ ታሪክ ህዝብና እዩ:: ጥምረት : ካፍቲ ብዙሕ ሓደ ናይ ጥንቲ ኣዋህባ/ protection/ "ዕቁባ " ጠቂስካ ምሕላፍ ፅቡቅ ይመስለኒ  ምክንያቱ ብዙሕ ዘይነግረሉ ግን ክንገር ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ከሓልፍ ዘለዎ ኣገዳሲ ታሪክ ስለዝኮነ እዩ:: ኣብ እዋ ከባቢ 7ይ ክፍለዘመ  ዓለም ፀልማት ንሮ ኣብ ዝነበረሉ ሕግን ስርዓትን ኣብ ዘይትግበረሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ኣመንቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ/ኣብ በዓል ሳዑዲ ዓረብያ / ዝከፍአ ጥምየት ጥራይ ዘይኮነ ኔርዎምስ ኣብ ሞንጎ እስላምን ክርስትና ተከተልትን ዝሓመቀ ውግእ ኔሩ :: ኣብቲ ግዜ ንሱ " ነብይ መሓመድ / እስላም ዓለም ምሉእ ዕቁባ እንትከልእዎም ብቀረባ ከምኒ ግብፂ ብርሑቅ ከምኒ ኣውሮፓ ኣብ ትግራይ - ኢትዮጵያ ግን ናይ መጀመርታ ህጅራ ተል መሓመድ ስደተኛታት እስላም ተቀቢላ ዘዕቆበት መሬትን ህዝብን እዚ ህዝቢ ትግራይ እንብሎ ዘለና እዚ ህዝቢ እዚ እዩ:: እዚ እውን ውቅሮ ክልተ እዉላዕሎ  ሬሳ ናይቶ ስደተኛታት ካብ ስዑድያ ዝመፁ ዝርከብ ምካኑ ምርኣይ ምጉብናይ ዝከኣል ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ እዩ::

 OTNAA እዚ ከልዕል እንተሎ  ኣብዚ ግዜ ካብ ካልኣይ ዓለም ውግእ ንደሓር  1945 -1951 ኤ/ኣ ዝመስረትዎ Human-Rights ዋላ እካ ዘንጊዑ ዝተመስረተ እንተኮነ እሞ ምምስራቱ ውን ፅቡቅ እንተኮነ እቲ መሰረት ዑቅባ ካብ ጥንቲ ዝተካየደ ዑቅባ መሃብን ጠያቂ ዑቅባ ዘይምርካብን ሰብ ብእምነቱን ብመነቱን ዑቅባ ዘድልዮ ምካኑን ኣሕሊፍካ እውን ዘይወሃብ ምካኑን ዓሸራ ዓለም ለከ ሕግታት መሰረት ኣንፂፉ ዘሓለፈ ምዕቡል ስልጡን ሕብረተሰብ ከይንገረሉ እናተገበረ መፂኡ ፀኒሑ እዩ ሐዚ እውን ይቅፅል ኣሎ :: ጥምረት ዋላ እካ ብታሪክ ዘይንበር ምካኑ ብፍልጠትን ብስለትን ዘኣምን እንተኮነ ታሪኩ ዘይሓዘን ዘየክበረን ግን ኣካል ዝኮነ ታሪክ ንምካን ከም ዘይክእል እሞ ናይ ጥንቲ ታሪካታቱ ዓቂቡን ኣክቢሩን ታሪክ ንምስራ ከምኡ ውን ታሪክ ክሰርሑ ዝግበኦም ትውልዲ ምኩስካስ ምስራሕ ከቢድ ሓላፍነት ግዴታ ታኣማነት ከምዘለዎ የኣምን :: ስለዚ እዙ ሕብረተሰብ እዚ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን  ንምሕዳስን ምህናፅን ምዕባለ ሕብረተሰቡ ክብል ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዘዓበየ መስዋእትነት እናከፈለ እንትመፅ ንትውልዲ ሓሲቡ እምበር ብሞት ፅድቂ ኣሎ ወይ ውግእ ደስ ኢልዎ ኣይነበረን :: ናይዚ ውፅኢት እውን ነፃ ሃገር ጥንታዊ ታሪክ ዘኩርዕ ባህልን ፀኒሐሙና እዮም :: ግን መጠኑ ዘይነዓቅ ንግሊ ረብሐኦም ክብሉ ናይ ህዝቢ መስዋእትነት ጨውዮም ናብ ስልጣን ሓንጊሩ ዘምፀኦ ኣብ ዘይፈልጥዎ ደቀይ ኢሉ ዘቀመጦም ጠሊሞምዎ ህዝቢ ኣብ ፅልምትምት ክነብር ርእሱ ከድንን ተገይሩ እዩ ሐዚ እውን ይቅፅል ኣሎ :: ዘኣመነካ ህዝቢ ጅግና ሓንጊሩ ከይበልዐ ኣብሊዑ ከይሰተየ ኣስትዩ ዘምፀአካ ህዝቢ ትውልዲ ምብዳል ፀረ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ወንጀል እውን እዩ:: 

 ሕፅር ብዝበለ ዓለም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውታዊ ተግባር  ጉደይ Human right  ብሰፋሑ ካብ ዝሪኦም እዋናዊ ጉዳይ ህዝብና እውን ትኩረት ገይሩ ዝሰርሐሉ ጉዳይ እዩ:: ብኡ መጠን እውን ኣብ ጉዳይ እዚ ብቀረባን ብርሑቅን ብግልፅን ብውሽጥን ብሰፊሑን ብመጠናቱን ብሃገርን ክፍለዓለምን ብሓፈሻ ብደረጃ ዓልም ለከን ድምፅና ድምፂ ህዝብና ብንፁር እንሰርሐሉ ግዜ ኣትዩ እዩ::

 4/ምዕባይን/ ምጥጣዕን ባህልን ተክኖሎጅን /PICT/promotion of intercultural communication and Technology 

 ህዝብና ብሓፈሻ ሃገርና ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ብሄር ብሄረሰባት ሃገር እያ :: ኩሎም ህዝብታት ይብዝሑ ይውሓዱ ኣብታ ሃገር ነበርቲ ክሳብ ዝኮኑ ኩሎም ማዕረ መሰልን ማዕረ ዓይኒ ዲሞክራስያዊ ናይ ምንባር መሰል ኣለዎም :: OTNAA believe there is no minority and majority people by any definition in Ethiopia .ኣብዛ ሃገር እዚኣ ልዕሊ 85 ተዛራቢ ቃንቃን dialec ኣሎ:: ኣብ ነፃነት ኢትዮጵያ  national severgnity ኩሎም ማዕረ ኣስተዋፀኦ ኔርዎም ምባል ዝድፈር ኣይከውንን ኩሎም ንነፃነት መስዋእትነት ምክፋሎም ከዓ ኣካል ታሪክ እዩ ኣይርሳዕን :: ኢትዮጵያ ካብ 3000-4000 ንላዕሊ ብዝነኣሰ ዕድመ ዘለዋ ኮይና ብፍላይ ከዓ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ state severginity ኣብ ታሪክ እትፍለጥ Nations state of Abbissinya  the Empires of Axum .

ጥምረት እዚ ከልዕል እንተሎ መነት ህዝብን ሃገርን ጉዳየይ ኢሉ ስለ ዘሓዘ እዩ:: empire of Axum ዘይብላ ኢትዮጵያ የላን ኣብስንያውን የላን :: ክህልዋ ናይ 4000 ዓመት ታሪክ ኣለና ባህሊ ኣለና ግእዝ ፊደል ኣለና ካላንደር  ባንዴራ ወዘተ ኣለና ክንብል ህልውና ነገስታት ኣክሱም ምስ እንሕሉን እነዕብን ጥራይ ይከውን :: 

ቃንቃ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣሎ :: ቃንቃ ማለት ከዓ ናይ ባዕሉ ፈደል ዘለዎ ማለት እዩ ::  ካብ ቃንቃ ግእዝ ወፃኢ ኩሉ ድያለክት / ላህጃ/ እውን ይበሃል:: ምክንያቱ ቃንቃ እትዛረቦ ጥራይ እንተይኮነስ እትፅሕፈሉ ናይ ባዕልካ ፋደል እውን ምስ ዝህልወካ እዩ:: ካብ ናይ እንግሊዝኛ ፋደል ተወሲዶም ዝፃሓፉ ኩሎም ናይ ላቲን መነት እምበር ናይ ኢትዮጲያ መነንት ክኮኑ ኣይክእሉን :: 

 ስለዚ ናይ ኣኩሱማውያን ፍልስፍና ፈደል ግእዝ ዝተፈለየ ካላንደር ቁፅሪ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርታ ዘመናዊ ናይ engineering ጥበብ ወዘተ ናይ ኢትዮጵያ መለለይቲ መንነት ክቡራት ሃብታትና ዝኮኑ መሰረቶም ነፂርካ ምካድ  ምሕላው ምዕባይ ዋነት ኣፍሪቃውያን ምካኖም ኣሚንካ ንዘመናዊ ናይ ትውልዲ ናይ ምዕባለ ቀያሲ ለውጢ ንዝመፅእ ዘሎ ትውልዲ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ትውልዲ ግእዝ ክመሃር ብናይ ጥው ኣዶ ቃንቁኡ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ብዘየገድስ ክፅሕፍ ምግባር ናይ ጥምረት ዕላማታት እዮም ::እዚ ዝኮነሉ ምክንያት እውን ኣፍሪቃ ኣፍሪቃውያ ብዝተፈላለዩ ናይ ኣውሮፓ ላህጃታት ተከፋፊልና ንርከብ 1) እንግሊዝኛ 1/ ሎዞፎን /ፖርችጋል 3: ፍረንች 4/ ኣረብ  ስለዚ ጠንቂ ፀረሓድነት ምዕባለ ምርግጋእ ኣፍሪቃውያ እውንስለ ዝኮነ ኣብ ዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብምክብባር እምበር ብልዕለ ትሕትነት እንነብረላ መሬት ክትህሉ ኣይእመነሉን ካብ ሓቂ ወፃኢ እውን እዩ :: እዚ ከዓ ብንድፈ ሓሳብ ተታሒዙ ንቀፃላይ ትውልዲ ኣፍሪቃውያን ምስ ኩሎም ምሁራት ኣፍሪቃውያ ክስራሕ ዝግበኦ ኢልና ንኣምን ምእማን ጥራይ እውን እንተይኮነስ ብተግባር  ምስ ANAA / African Network For Affirmative Action /: ብሕብረት ኣፍሪቃውያን መናእሰይ ምሁራት ዝተመስረተ ሰፋሕትን ዓመቁትን ዝርርባት ተካይድሉ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ዝተስማዕማዕናሉ ካፍቶም ገዘፍቱ እቅዳትና ሓደ ኣካል ምካኑ ጠቂሰ ከሓልፍ እውን ስለ ዝግባእ እየ::

 እዚ ከዓ ምስ መንነት ዝተተሓሓዘ ጥራይ እውን እንተይኮነስ ምስ ጥውነ ዝተተሓሓዘ ምስ ፀፅታ እቲ ክፍለ ኣህጉር እውን ዝምድና ዘለዎ እዩ:: ብምጥቅላል ባህልካን ክብርታትካን ምሕላው ምፍላጥ ከም ሃገር ከም ህዝቢ ጥንታዊ ቃንቃታትና ምዕባይ ምጉልባት : ከም ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም መጠን እውን ምስ ዓለም ዘራክቡና ንሶም እውን ምስ ህዝብና ዘራክቦም ማዕረ ተጠቃምነት ክህልወና ዘግብሩ ክብርታትናን ባህልታትናን መነትናን ብዝሕሉ መንገዲ ምዝማድ ምምዕባ ዘድልዩና ምውሳድ ናህናውን ክዓቢ ምግባር ይከውን ::

We believe and demonstrate respect for one another, as we people in communities in Africa and throughout the world. We recognize and acknowledge our own values the strength that comes from diversity .We value all people equally and treat others, as we would like to be treated.

 5/Research and development for evidence Based program .

ዓለም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውንተታዊ ተግባር  ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፀእን ብዝርከቡ ውሑዳት ተጋሩ ብዝሓደሮም ሰናይ ህዝባዊ ፍቅሪ ዝተመስረተ ዘይመንግስታዊ ትካል ጥምረት ተጋሩ እዪ ኢለ ኣብ መእተውየይ ጠቂሰ ኔረ :: እዚ ማለት ከዓ ብሰናይ ድልየት ጥራይ መሰረት ገይሩ ዝተመስረተ ኣይኮነን :: እዚ እንትብል ሰናይ ድልየት ምህላውን ንድልየትካን እምነታትካን ከፈፅም ዝክእል ብቅዓትን ውሳነን እውን ተወሲክዎ እዩ::

 እዞም መንገድታት እዚኦም ከዓ ብሰፋሕትን ዓመቁትን ናይ ሓፂርን ናይ ነዊሕን ብግልን ብጉጅለን ብደረጃ መፅናዕቲ እናተኣከቡ እናዓበዩ ዝመፁ ውፅኢት ብስለት ስራሕ ውፍያት ተጋሩ ኢትዮጵያውያ ምካኑ ክጥቁም እደሊ ::

ክጠቅሶ ዝደሊ ዘለኩ ሓቂ መሰረት ገይሩ ዝካየድ መፅናዕቲ ፅቡቅ ፍረ ክህብ ዝክእል ማእቶት ሕብረተሰብ እዩ ንምባል እዩ:: ሓቂ መሰረት ገይሩ ዘይፅናዕ መፅናዕቲ ዝናብ ኣብ ዘይዘንበሉ ቦታ ዝረኣት ኣፍሲስካ ምህርቲ ክትሓፍስ ምፅባይ ማለትን ሓደ እዮም  ኢሉ ጥምረት የኣምን :: ካብዚ ተበጊሱ ጥምረት "ሓቂ መሰረት ገይሩ ዝካየድ ምርምር ምዕባለ ዝኮነ መንግስታዊ ኮነ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓፋሲ ፅቡቅ ማእቶ ፍረ እዩ ይብል እሞ ኣድላይነት  ነፂሩ እንተቅምጥ  ነፃ ሞያዊ  ናይ Research and development for evidence based  ዝኮነ ትካል ምስ ዝህሉ መሰረት  ህዝቢ ዝውንኖ ስርዓተ መንግስቲ : ስርዓተ መዋቅር : ስርዓተ ዝተረጋገአ ፀፅታ ህልውና ህዝብን ሃገርን  : ምህላውን ምምዕባልን ፍትሕን  ሰላምን  ምቅናስን ምጥፋእን ድክነትን ዘይማዕርነታዊ ክፍፍል ሃፍትን ዋንነት መሬትን ጥሪትን ክህሉ ክነግስ ወሳናይ ተራ ኣለዎ :: 

   እዚ እንትብል እዚ ናይ ፅንዓትን ምርምርን ነፃ ምስ ዘይከውን ናይ ሞያተኛታት ደቂ እቲ ሃገር ምስ ዘይከውን ብሓደ ፓለቲካዊ ፓርቲ ዝውነን ብኣጋጣሚ ምስ ዝከውን ናይ ህዝቢ ምካኑ ይተርፍ እሞ ናይ ቲ ፓለቲካዊ ፓርቲ ድልየት መርወይ ኮይኑ ኮፍ ካብ ምባል ሓሊፋ ናይ ሓሶት መፅናዕቲ ዝካየደሉ  ቦታ ይከውን :: እዚ መፅናዕቲ እዚ ዝፈጥሮ ውፅኢት መጀመርታ ስርዓተ ሲስተም ይበላሾ ካብኡ ግለሰባት ዝውንንዎ  መዋቅት ይፍጠር ህዝቢ ስራሕ ይስእን ስደት ይጠፍእ  ይዋረድ ኩሉ ዝንዕቆ ዝፀርፎ ብዝከዶ ዝቅተል ይከውን :: ስለዚ ጥምረት እዚ ፅንዓታት እዚ ብጭቡጥ ኣብ ሃገርና ከይፍጠር እንተሎውን ክጠፍእ ክንቃለሶ ትውልዲ ካብ ሕማቅ ኩነታት ክነድሕን ብሓፂርን ብነዊሕን እስትራተጂ ነዲፍና ነፂርና እነሆ ክልተዓመት ጌርና ኣብ ስራሕ ንርከብ ከም ዘለና ክጠቅስ እፈቱ ::

 ዓለም ለከ ጥምረት ተጋሩ ንኣውንታዊ ተግባር ኣብዚ ክንበፅሕ እንተለና ዝሓለፍናዮም ማሕለካታት ብቀፃላይ ግዜና ክንገልፅ ምካና እናፍለጥና 

ኣብ ዚ ጥምረት እዚ ካብ ምምስራት ጀሚሩ እስካብ እዚ ሐዚ ዘለናዮ ቦታ ንምብፃሕ ለይትን ቀትርን ደኪሙኒ ሰልችይኒ እንተይበሉ ካብ መጠን ንላዕሊ ንከቢድ ለውጢ ዝተቃለሱ ዝስርሑ ዓብይ ኣድናቆተይ ከም ኣባል  ጥምረት መጠን እናገለፅኩ ኣብ ቀፃሊ ናይ ስራሕ ዘመናትና  ፍሉይ እውቅናን ሽልማትን OTNAA ክተዘጋጅ ምካና ከይጠቀስኩ ክሓልፍ ኣይደልን ::

 

   
 

 

 

Fetaw Abadi (OTNAA Global Communication Director)

Geneva Coordination Office- Switherland

Become a Volunteer

Join us for a better life and beautiful future

OTNAA

OTNAA is organizational network of Tigrians from all over the world.

Choose your language

Follow Us

Search